–
እግዚአብሔር ምሳና ተ’ዘይነብር
ንሕና እንታይ ምኾና
ግን ኵሉ ኣብ ግዚኡ ኮይኑ
ብምሕረቱ ጓስዩና።
–
ናይ ነሓዚ ማዕጾ ንሱ ተ’ዘይሰብሮ
በቲ ናቱ ክእለት መንዩ’ ኸ ዝሰግሮ
ግን ኩሉ ሓሊፉ ቀስ ኢሉ ወጊሑ
ከቶ ኣይወድቁን’ዮም ብኡ ዝምክሑ /2/
–
የሳግርዩ ክብሉ ሰሚዐ ብዝና
ለይቲ ብዓምደ ብርሃን ቀትሪ ብደመና
ሎሚ ግን ርአዮ ምድሓኑ ኣብ ልዕለይ
ጎይታይ /2/ ክብሎ ገባሪ ውዕለተይ /2/
–
ጸጋና ርሒቑ ቲ’ናዝራዊነትና
ጸላኢ ነጊሱ ክፍክር ኣባና
እግዚአብሔር ጠሚቱ ሓያላት ገይሩና
ምሕረቱ ኣብዚሑ ኣብዚ ኣብጺሑና /2/
–
ኣይክእሉን እናበለ ጸላኢ ክፍክር
ናበይ ከይዱ ኣቦና ቲ’ኩሉ ዘሳግር
ኩሉ ተዓጊስና ዘይውጻእ ወጺእና
ዕልል /2/ ንበል ምስ ጎይታ ነጊስና /2/
