እግዚአብሔር ምሳና

እግዚአብሔር ምሳና ተ’ዘይነብር

ንሕና እንታይ ምኾና

ግን ኵሉ ኣብ ግዚኡ ኮይኑ

ብምሕረቱ ጓስዩና።

ናይ ነሓዚ ማዕጾ ንሱ ተ’ዘይሰብሮ

በቲ ናቱ ክእለት መንዩ’ ኸ ዝሰግሮ

ግን ኩሉ ሓሊፉ ቀስ ኢሉ ወጊሑ

ከቶ ኣይወድቁን’ዮም ብኡ ዝምክሑ /2/

የሳግርዩ ክብሉ ሰሚዐ ብዝና

ለይቲ ብዓምደ ብርሃን ቀትሪ ብደመና

ሎሚ ግን ርአዮ ምድሓኑ ኣብ ልዕለይ

ጎይታይ /2/ ክብሎ ገባሪ ውዕለተይ /2/

ጸጋና ርሒቑ ቲ’ናዝራዊነትና

ጸላኢ ነጊሱ ክፍክር ኣባና

እግዚአብሔር ጠሚቱ ሓያላት ገይሩና

ምሕረቱ ኣብዚሑ ኣብዚ ኣብጺሑና /2/

ኣይክእሉን እናበለ ጸላኢ ክፍክር

ናበይ ከይዱ ኣቦና ቲ’ኩሉ ዘሳግር

ኩሉ ተዓጊስና ዘይውጻእ ወጺእና

ዕልል /2/ ንበል ምስ ጎይታ ነጊስና /2/